The single most important challenge facing the Eritrean Orthodox Church today is how the life and message of the church and its apostolic mandate can be preserved and transmitted. Equally important is addressing the question:  What kind of training is the most effective for its PRIESTLY FORMATION in the future? In order to prepare the clergy of the church to face the complex challenges of the 21st century, raise leaders who are equipped, spiritually and solidly rooted in the Holy Tradition and the theology of Orthodoxy, the establishment of a theological college in the service of the church is of utmost importance. 

With the above in mind, the Eritrean Orthodox Church, Archdiocese of North America, is launching the project to found a theological college. To this end, since 2005, the Archdiocese has undertaken the training of the future instructors for the college. The first batch graduated in September 2010. Many others have since joined and are preparing for service in various capacities. 

Our Vision

The mission of the Theological college is to prepare fully equipped, spiritually mature, biblically and theologically grounded, and deeply committed servants who will teach the Gospel of our Lord Jesus Christ and serve in the various ministries of the Eritrean Orthodox Church.


ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋህዶ

መእተዊ

ኣግኣዚት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፡ ዓውዲ ፍልጠት፥ ቋንቋን ትምህርትን፥ ዓቃቢት ታሪኽን ቅርስን ኮይና ንዘመናት ዝጸንሐት ምዃና ብዙሕ ሰብ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እንተ ኾነ ግን ንህልው ትውልዲ ኣብ ግምት ዘእተወ፣ ብሥሩዕን ምዱብን ብዘመናዊ ኣገባብ ዝተወጠነ ናይ ስነ መለኮት (Theology) ትምህርቲ ክወሃብ ኣይጸንሐን። ሳዕቤኑ ኸኣ ቀሊል ኮይኑ ኣይተረኽበን።

እምበኣር ሎሚ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ተዋሕዶ ኣዕምዪቑ ዝፈልጣ ሰብ ዘልዕሎ እዋናዊ ሕቶ እንተሎ እዚ ዝስዕብ እዩ። እዛ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ቤተክርስቲያን መሠረታን ቀኖንኣን ዓቂባ እትትንሥኣሉን ንትውልዲ’ዚ ዘመን ብብቕዓት እትጓስየሉን መገዲ እንታይ እዩ? ብምቕጻል ዝልዓል ካልኣይ ኣገዳሲ ሕቶ ኸኣ፣ ንህሉውን መጻእን ወለዶታት ዘገልግሉ ውሉደ ክህነት እትምልምለሉ መገዲ’ኸ ከመይ ኪኽውን ይግብኦ?

ንመበል 21 ክፍለ ዘመን ዘገልግሉ ብመንፈሳውነቶም ረዘንቲ፡ ሓዋርያውን ቀኖናውን ሠረቶም ዓምዪቕ፡ ዶግማ ቤተክርስትያን ኣጽርዮም ዝፈልጡ፡ ዝምድንኦምን ፍልልዮምን ምስ ካልኦት ናይ ክርስቲያን ማሕበራት ብግቡእ ዝርድኡ ኪኾኑ እንተኾይኖም ምምሥራት ላዕለዋይ ናይ ስነ መለኮት ኮለጅ ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ዶንጕዩ ምህላዉ ንጹር እዩ። በዚ መዳይዚ ካብ ኩለን ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ድሒራ እትርከብን፡ ኮለጅ ስነ መለኮት ዘይብላ እታ እንኮ ቤተክርስትያን እዛ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እያ።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ፡ ጠንቂ ናይዚ ኹሉ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝፍጸም ዘሎ ሽግራት ድሕሪ ምልላይ፡ ካብ 2005 ዓ. ም. ፈረንጂ ጀሚሩ ኣገልገልቱ ናብ ናይ ግብጺ ናይ ስነ መለኮት ኮለጅ ልኢኹ ብምስልጣን ብቑዓት መምህራን ከፍሪ ጸኒሑን ኣሎን። ፍቓድ እቲ ልዑል ኣምላኽ ኮይኑ ኸኣ ሎሚ፡ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ኤርትራ ቦኽሪ ናይ ስነ መለኮት ኮለጅ ንምጅማሩ በቒዑ ኣሎ

ራእይ ኮለጅ ተዋህዶ
ጥንታውን ሓዋርያውን ትምህርቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ብዕምቆት ብምስትምሃር፡ ተመሃሮ ንዝተፈላለየ ሓላፍነት (ንመማህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበት፡ ዲቁና፡ ክህነትን ካልእ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ቤተክርስቲያንን) ምድላው ቀዳማይ ራእይ’ዚ ኢንስቲቱት እዩ። ተመሃሮ ድሕሪ ምምራቖም ብመንፈሳውነቶም ረዘንቲ፡ ሓዋርያውን ቀኖናውን ሠረቶም ዓምዪቕ፡ ዶግማ ቤተክርስትያን ኣጽርዮም ዝፈልጡ፡ ዝምድንኦምን ፍልልዮምን ምስ ካልኦት ናይ ክርስቲያን ማኅበራት ብግቡእ ተረዲኦም ወንጌል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከስተምህሩን ነታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተክርስቲያን ብፍቕሪ ከገልግሉን ትጽቢት ይግበረሎም።